Fana: At a Speed of Life!

ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍቢ ሲ)ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ሞቱማ ቶሌራ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብኣፈልፋልነት ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝጀመርቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለዕል 25 ቢሊየን ፈልስታት ምትካል ክኢላ ኢያ።

ፍርያት እዛ ዓዲ ክብ ንምባል፣ ውሕስነት ምግቢ ዜጋታት ነምርግጋፅን ሽፋን ደኒ በምዕባይ ለውጢ ክሌማ ንምክልካልን ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ሞቱማ (ዶ/ር)፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተገበረ ምትካል ፈልሲ ኣብ ምክልኻል ምሽርሻር መሬት፣ ምፍልፋል ማይ ከርሰ ምድሪ እወንታዊ ግደ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ሎሚ ዘበን ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.