Fana: At a Speed of Life!

ንሰላምን ፀፅታን ሃገርና ክንሰርሕ ኢና -ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰላምን ፀፅታን ኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ገሊፆም።

“እናተኸላኸለት ትለምዕ ዘላ ሃገር” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ድሬዳዋ  ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቅርንጫፍ ድሬዳዋ ኣይተ ኢብራሂም ዮሱፍ፥ ከም ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲን ህዝብን ትግራይ ካብቲ ለውጢ ተረባሕቲ ንክኾኑ መንግስቲ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኢትዮጵያ ግልፂ ዝኾነ ኲናት ካብ ዝእውጅ ጀሚሩ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ኣብዛ ሃገር ንክህልዉ ከምዝገበረ ገሊፆም።

ብዘይ ኲናት ምንባር ዘይኽእል ግብረ ራዕዲ ህወሓት ድልየቱ ምትግባር ከምዘይከኣለን የግዳስ ህዝቢ ትግራይ ንመከራ ከምዘቃለዖን ኣይተ ኢብራሂም ኣረዲኦም።

እተም ተሳተፍቲ ብግደኦም፥ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ንሃገሮም ሰላምን ፀፅታን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝፍፅሞ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ዝጀመሮ ሳልሳይ ዙር ኲናት ጥፍኣትን ከምዘውግዙ ብምግላፅ፥ መንግስቲ ነቲ ግብረ ራዕዲ ብምድምሳስ ሰላም ሃገር ንከረጋግፅ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

መንግስታት ዓለምን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ብፍላይ ህፃናት ናብ ኲናት እናኣጎደ ምዃኑ ኣጥቢቖም ንከውግዝዎ ሓቲቶም።

ሰላምን ምርግጋዕን ሃገር ንክረጋገፅ ደገፉ ንክህብ ኣተሓሳሲቦም።

ኩሉ ትግራዋይ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘተሓላልፎም ስኑዓት ፕሮፓጋንዳታት ንጎኒ ብምግዳፍ ንሰላምን ፀፅታን ሃገሮምን ህዝቦምን ንክሰርሑ ሓቲቶም።

ብምንያህል መለሰ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.