Fana: At a Speed of Life!

ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ስዒቡ ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ምርመራ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ 2012 (ኤፍ..)ንቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ  ምስ ዝተልዓሉ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘፃሪ መርማሪ ጉጅለ ካብ ሎሚ መዓልቲ ምርመራ ከምዝጅምር ተገሊፁ።

ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዳይሬክተር ዝተወደቡን ስግረ ዶብን ገበናት ከምዝገለፆ፥ ገበናት ንምፅራይን ንምምርማርን ምስ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልልን ብምዃን ምርመራ ዘካይድ ጉጅለ መርማሪ ተጣይሹ ኢዩ።

ብተወሳኺ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ብሄር ምስ ብሄርን ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ንምብኣስ ኣብ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ምርመራ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ኣብ መሰል ገበን ዝተጠርጠሩ ጣቢያታት ኦ ኤም ኤን፣ ኣስስራትን ድምፂ ወያነን ካብ ዝተወሰደ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ እትቶም ጣቢያ ብሕጊ ገበን ከምዝሕተቱ ተሓቢሩ።

ትማሊ ኣብ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ስቱዲዮ እቶም ጣቢያታት ብዝተገበረ ብርበራ ዝተረኸቡ መረዳእታታት ከምዘለዉ እውን እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

እቶም ዝተረኸቡ መረዳእታታት ምስ ዝተጠርጠሩዎ ገበን ተተሓሓዝነት የሃልዎም ኣየሃልዎም ድማ ብዝግበር ምርመራ ክረጋገፅ ኢዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ድሕሪ ሕዚ ሕጊ ብዕቱብ ከምዘኽብር ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ገበን ንዝፈፀሙ ኣካላት ከምዘይዕገስ እውን ኣፍሊጦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.