Fana: At a Speed of Life!

ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝተገበረ ደገፍ ሰልፊ ቡምባ ብምውርዋር ገበን ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 5 ተኸሰስቲ ጥፍኣተኛታት ተባሂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)16 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተገበረ ደገፍ ሰልፊ ቡምባ ብምውርዋር ገበን ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 5 ተኸሰስቲ ጥፍኣተኛታት ተባሂሎም።

እቶም ተኸሰስቲ ጌቱ ቶሎሳ፣ ብርሃኑ ጃፋር፣ ጥላሁን ጌታቸው፣ ደሳለኝ ተስፋዬን ባህሩ ቶላን ዝበሃሉ እንትኾኑ፥ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ብምቕራብ ፍርዲ ጥፍኣተኛታት ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

ክሲ ዓቃቤ ሕጊ ከምዘመላኽቶ፥ እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ገበን 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ረፋድ ሰዓት 4 ኣብ ከባቢ 40 ሜትሮ ርሕቐት ንቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝተገበረ ደገፍ ሰልፊ ቡምባ ብምውርዋር ኢዩ።

እቶም ተኸሰስቲ 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ገበን ሕጊ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 32/1ሀ ከምኡ እውን ዓንቀፅ 38ን ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲ ቁፅሪ 652/2001 ኣብ ትሕቲ ዓንቀፅ 3 ዝተዘርዘረ ብምትሕልላፍ፤ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ለውጢ ስዒቡ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝምራሕ መንግስቲ ክህሊ የብሉን ብዝብል ናይ ባዕሎም ዕላማ ንምስጓም ብምሕሳብ ከምዝተንቀሳቐሱ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ክሱ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዘለዉ ተኸሰስቲ መበገሲኦም ከተማ ሱልልታ ብምግባር ብስልኪ ብምድውዋልን ብኣካል ብምርኻብን ኣብቲ ሰልፊ ከመይ ቡምባ ምውርዋር ከምዝከኣል እናተዳለዉ ፀኒሖም ኢዮም ክብል ዓቃቤ ሕጊ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ገዛ ቀዳማይ ተኸሳሲ ብራዮ ብምሕዳር ካልኣይ ተኸሳሲ ብዝገንሓ መኪና ካልኣይ ተኸሳሲ ዘዳለዎ ኤፍ1 ቡምባ ብምሓዝ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓምሻይ ምስ ዘለዉ ተኸሰስቲ ካብ ፒያሳ ናብ ቴድሮስ ኣደባባይ ብምምፃእን ቲሸርት እቲ ድጋፍ ሰልፊ ዓዲጎም ብምኽዳንን ተመሳሲሎም ምእታዎም ተሓቢሩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሰልፊ መደረ ምስ ገበሩ እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ቡምባ ዝወርመሩ እንትኾኑ፥ በዚ እውን ክልተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ 163 ሰባት ንላዕሊ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ዓቃቤ ሕጊ ኣረዲኡ።

ሰነድን ምስክር ሰብን ዓቃቤ ሕጊ ከምኡውን መከላኸሊ ተኸሰስቲ ዝመርመረ ቤት ፍርዲ እቶም ተኸሰስቲ ብዝተኸሰስሉ ገበን ጥፍኣተኛታት ኢዮም ክብል ፈሪዱ።

ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ውሳነ ቅፅዓት ንምሃብ ን17 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ክሳብ እቲ ዝተገለፀ ዕለት ነቲ ፈርዲ ጥፍኣት ዘቕልሉ ምቕራብ ከምዝከኣል ትእዛዝ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.