Fana: At a Speed of Life!

ንበዓላት ልደትን ጥምቀትን እኹል እታወት ዕዳጋ ክህሉ ኢዩ – ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ንበዓላት ልደትን ጥምቀትን 60 ሺሕ ደርሁ፣ 90 ሺሕ ኩንታል ጣፍን ልዕሊ15 ሺሕ ንማሕረዲ ዝኾና እንስሳትን ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርብ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብወገን ሸማቾች ኣቢሉ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲን 30 ሺሕ ኩንታል ሽኮርን ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ከምዝግበር እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ።

ወሰኽ ዋጋን ምሕባእ ፍርያትን ንምክትታል ድማ ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ሽራኽ ከምኣተወ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣደም ኑሪ ተዛሪቦም።

ፍርያት ካብ ክልላት ናብ ባእኸላት ዕዳጋ ብሙሉእ ዓቕሚ ንኸኣቱ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣመልኪቶም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.