Fana: At a Speed of Life!

ንበዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ካብ ዝግበር ሕሩድ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ንዕዳጋ ንክቐርብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንበዓላት ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን ካብ ዝግበር ሕሩድ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ንዕዳጋ ንክቐርብ ማእኸል ልምዓትን ምርምርን ቆርበትን ውፅኢት ቆርበተን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ኣይተ ዳኛቸው ሽፈራው ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ሓደ ዓመት ካብ ዝካየድ ሕርዲ እቲ 30 ሚኢታዊ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ በዓላት ዝፍፀም ሕርዲ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ እቶም በዓላት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዝግበር ሕርዲ ንፅርየት ቆርበት ልዑል ትኹረት ብምግባር እቲ ቆርበት ጀከይተቐደደን ከይተበላሸወን ኣድላዪ ጠንቃቐ ብምግባር ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ኣለዎ ኢሎም።

ቆርበት በጥንቃቐ ናብ ዕዳጋ እንተቐሪቡ ሃፍቲ ሃገር ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ዜጋታት ድሕሪ ሕሩድ እቲ ቆርበት ቀልጢፎም ናብ ዕዳጋ ከቕርብዎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ካብ ሕሩድ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ካብ ምስንዳእ ብተወሳኺ ኣብ እዋኑ ናብ ዕዳጋ በምቕራብ ነክእከብ ምስ ኣቕረብቲን ተረከብቲን ፋብሪካታት ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

ብመላኩ ገድፍ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.