Fana: At a Speed of Life!

ንብረት ትራንስ ኢትዮጵያ ዝኾና ኣብ ጅቡቲ ደው ኢለን ናይ ዝነበራ 179 ከበድቲ ተሸከርከርቲ መፍቱሓት ተመለስቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓዱሽ ተወካሊ ኩባኒያ ትራንስ ኢትዮጵያ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጅቡቲ ናይቲ ኩባኒያ ንብረት ናይ ዝኾና 179 ተሸከርከርቲ መፍትሓት ተረኪቦም።

ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ ትካላት ሓደ ዝኾነ ኩባኒያ ትራንስ ንብረት ዝኾና ንስራሕ ናብ ጅቡቲ ዝተጓዓዛን ናብ ሃገር እንተይተመለሳ ዝተረፋ 179 ተሸከርከርቲ መጓዓዓዝቲ ደረቕ ፅዕነትን ኣርባዕተ መጓዓዓዝቲ ፈሳሲ ፅዕነት/ቦቲ/ ካብ ጅቡቲ ንምምላስ ልዝብ እናተገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስካልኦት ዝምልከቶ ትካላት መንግስቲ ብምዃን እተን ተሸከርከርቲ ንምምላስ ብዝተገበሮ ስራሕ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክምለሳ ከምዝኸኣላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ውሑዳት መዓልቲታት፥ ሓለፍቲ ነበር ምምሕዳር ትርንስ ኢትዮጵያ ካብ ወደብ ጅቡቲ ኣቑሑት ንምምፃእ ብዝብል 179 ከበድቲ ተሸከርከርቲ ናብ ጅቡቲ ወሲዶም ጠጠው ከምዘበሉወን ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ኩባኒያ ትራንስ፥ ዘይሕጋውያን ንዝኾኑ ኣካላት ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባር፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ካልኦት ገበናትን ስለዝተጠርጠረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል እተን ተሸከርከርቲ ንኽምለሳ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ትእዛዝ ቤት ፍርዲን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ጅቡቲ ብምትሕብባር፤ መንግስቲ ጅቡቲ ካብቶም ሹፌራት መፍቱሕ እተን ተሸከርከርቲ ከምዝተረከበ ተገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣሽከርክርቲ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛዝኾኑ 14 ሰባት ወፃእ ዝተረፉ ኣብ ውሽጠ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.