Fana: At a Speed of Life!

ንኣዲስ ኣበባ ዝምጥን ሓይሊ ፖሊስ ንምድላው ብዝበለፀ ክንሰርሕ ኣለና-ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ 12 ሰነ ፣2013(ኤፍ ቢ ሲ) ንኩለ መዳይ መዕባለን ስፍሓትን ኣዲስ ኣበባ ዝምጥን ሓይሊ ፖሊስ ንምድላው፣ ምብቃዕን ምድጋፍን ካብዚ ሐዚ ዘለዎ ብዝበለፀ ክንሰርሕ ኣለና ክብላ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ምክትል ከንቲባ፥ ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ፖሊሳዊ ደንቢ ክዳንን ኣርማን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ስነ ሰርዓት ብምርካብ ኢየን እቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ዓቕሚ ፖሊስ ንምዕባይ በጀትን ሎጂስቲክስን ብምምዳብ ከምዝተሰርሐ ተዛሪበን።

ጣቢያ ፖሊስ ዘይነበረን 60 ወረዳታት ጣቢያ ንክህልወን ከምዝተገበረ እውን ገሊፀን።

ምልምል ፖሊስ ብምስልጣን ናብ ስራሕ ካብ ምእታው ብተወሳኺ፥ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ፖላዊስ ዓቕሞም ኣብ ምህናፅ ብስልጠናን ቴግኖሎጂን ከምዝተደገፉ እውን ሓቢረን።

እዚ ድማ ውፅኢታዊ ትካላዊ ለውጢ ንክህሉን ቀፃልነት ንክረጋገፅን ዝሕግዝን ንፀጥታ እታ ከተማ ልዑል ትኹረት ከምዝተገበረን ዘርእይ ኢዩ ኢለን።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ጌቱ ኣርጋው፥ ኣብ ፖሊስ ዝተጀመረ ስራሕቲ ለውጢ ኣገልግሎት ፖሊስ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክብ ንክብል ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.