Fana: At a Speed of Life!

ንዕዉት ስራሕ ግድብናን ሉኣላውነት ሃገርናን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተሓባቢርና ንንቀሳቐሰሉ ታሪኻዊ እዋን ኢና ንርከብ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ህንፀት ዓበዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተጀመረሉ 10ይ ዓመት በዓል ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ “ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ውጥን ልምዓትን ምዕባለን ሃገርና ብቕልጡፍ ክቕፅል ንምግባር ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ካብ ዘንብሩ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ብቕድሚት ዝስራዕን እዚ ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ዓቢዪ ታሪኃዊ ትርጉምን ኢኮኖሚያዊ ፍታሕ ብመሓዙን ኢዩ” ኢሎም።

“ንዘበናት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ረብሓ እናፈሰሰ ዝነበረ ሩባ ኣባይ ሓይሊ ንምፍልፋል ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕልና ሓሳብ፣ ጉልበትን ገንዘብን ቅድሚ 10 ዓመት እምነ ኹርናዕ ኣንቢርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ምስግጋርና ታሪኻዊ ትርጉሙ ክብ ከምዘብሎን” ገሊፆም።

ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ዘመሓይሾ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፥ ምስ ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራትን ሃገራት እቲ ዞባን ጥንኩር ምትእስሳር ክፈጥር ከምዝኽእል ኣብሪሆም።

ኣብ ዘሓለፍናዮም ናይ ህንፀት ዓማውቲ ኣብ ኣፈፃፅማ ህንፀት ዝተርኣዩ ክፍተታት ብመፅናዕቲ ብምፍላይን ብዕቱብ ናይ እርማት ስጉምቲ ብምውሳድን ህንፀቱ ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምስግጋር ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ኣብቶም ዘሓለፉ ዓማውቲ ብስምዒት ጥንኩር ፍቕሪ ሃገር ዝተርኣየ ተሳትፎን ምንቅስቓስን ዝተረፉ ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ብዕዉት ኩነታት ንምፍፃም ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፀዊዖም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥“ንዕዉት ስራሕቲ እቲ ግድብን ሉኣላውነት ሃገርናን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተሓባቢርካ ምንቅስቓስ ዘድልየሉ ታሪኻዊ እዋን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መበል 10 ዓመት ምጅማር ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ብቪዲዮ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኣብ ዘሓለፉ 10 ዓማውቲ ብዙሓት ላዕሊን ታሕቲን፣ ፈተናታትን ብምሕላፍ ቀዳማይ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ምክያድ ከምዝተኸኣለ ብምግላፅ፤ “ሕዚ ድማ ምድላውና ናብ ካልኣይ ዙር ምልኢት ኢዩ” ኢለን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.