Fana: At a Speed of Life!

ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ ህዝቢ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ልዕሊ 2 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ  ገሊፁ።

እቲ 2 ቢሊየንን 49 ሚሊየንን 85 ሺሕን 105 ብር ካብ 1 ሓምለ 2012 ዓ.ም ክሳብ 30 ሰነ 2013 ዓ.ም ከምዝተኣከበ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ሚዲያ ኮሚዩኒኬሽንን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኃይሉ አብርሃም፥ ኣብ ሓደ ዓመት ብ8100 ሓፂር መልእኽቲ ሞባይል ኣገልግሎት 132 ሚሊየን 853 ሺሕን 752 ከምዝተኣከበ እውን ሓቢሮም።

ካልኣይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይሳለጥ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ሐዚ ዘሎ ምልዕዓል ህዝቢ ንህንፀት እቲ ግድብ ደገፍ ንክውዕል ዝተፈላለዩ ትልሚታት ብምቕራፅ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ ከብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.