Fana: At a Speed of Life!

ኢማም ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ መግለፂ ሓቂ ኢትዮጵያ ዝኸሓደ ኢዩ – ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቢዪ ኢማም ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ መግለፂ ሓቂ ኢትዮጵያ ዘይተመልከተን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ከምዝኾነ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ገሊፆም።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ዓለም ለኻዊ እስልምና ግብፂ ዝኾኑ ዓቢዪ ኢማም ሼክ ኣልሃዛር-ኣህመድ ጠይብ፥ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት “ሩባ ኣባይ ብሕታውነት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ጉድኣት ንምብፃሕ ትሰርሕ ኣላ” ኢሎም ምዝራቦም ይዝከር፡፡

መደረ እቶም ኢማም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ተቐባልነት ዘይብሉን ከምዝኾነ፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ተዛሪቦም።

“እቲ መግለፂ ሓቃውነት ኢትዮጵያ ዘይተመልከተን ቅዋም መንግስቲ ዘይገልፅን ኢዩ” ክብሉ ነፂጎምዎ።

ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ሩባ ኣባይ ብፍትሓውነት ንጠቐም ዝብል ቅዋማ እናገለፀት ፀኒሓ ኢያ ዝበሉ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፥ ግብፂን ሱዳንን እውን ነዚ ሓቂ ሒዘን ናብ ሰላማዊ ድርድር ንኽመፅኣ ፀዊዖም።

ሩባ ኣባይ ፍልፍሉ ይኹን ተፋሰሱ ኣብ መሬት ኣፍሪካ ስለዝኾነ መፍትሒኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያትወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.