Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዲጂታል ቴክኖሎጂን ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ተዛቲየን።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ ምስ ገዛኢ በዓል መዚ ምምሕዳር ስዑድ ዓረብ ኣሕመድ ኣልሳዋን (ኢንጂነር) ተዛቲየን።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ትኹረት ብምግባር ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ኣሊ ኣብቲ እዋን÷ ብዛዕባ ስትራቴጂ ዓውዲታት ትኹረት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ገዛኢ በዓል መዚ ምምሕዳር ስዑድ ዓረብ ኣሕመድ ኣልሳዋን (ኢንጂነር) ብግደኦም÷ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝደልዩ ተዛሪቦም።

ስዑድ ዓረብ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ብኤሌክትሮኒክስ ግልጋሎት መንግስቲ፣ ዝተዋደደ ዲጂታል መለለዪ መንነት (መታወቂያ)፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሃፍቲ ሰብ፣ ኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ኮርትን መርበብ ሓበሬታ ድሕንነትን ዝሐሸ ልምዲ ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዓውዲታት ምትሕብባር ብምፍላይ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.