Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን 512 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝን ልቓሕን 512 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ተወካሊ ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዑስማን ዲዮንን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት 312 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብሓገዝ ዝተውሃበ እንትኀውን፥ 200 ሚሊየን ዶላር ድማ ብልቓሕ ዝተፈረመ ኢዩ፡፡

እቲ ገንዘብ ኣብ ኢትጵያ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ውሕስና ምግቢ ንምጥንኻርን ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዘይተኻተቱ ተወሰኽቲ ቦታታት ንምሕጋዝ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ዝርከቡ ከባቢታት ገጠርን ብምኽንያት ድርቂ ንሕፅረት ምግቢ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታትን ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ፡፡

ብዘመን በየነ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.