Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያዊነት ፈተና እናተዳፍአ ዘሸንፍ ማንነት ኢዩ –  ብ/ጀ ኣስፋው ማመጫ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊነት ፈተና ዝበዝሓሉ ይኹን እንበር ፈተና እናተዳፍአ ዘሸንፍ ማንነት ኢዩ ክብሉ ናይ መከላከያ ኢንዶክትሪኔሽን ተወካሊ ዋና ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር  ብ/ጀ አስፋው ማመጫ ገሊፆም።

ናይ መከላከያ ኢንዶክትሪኔሽን ዋና ዳይሬክቶሬት ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ  95 ናይ ሰራዊት አባላት ናይ ማዕረግ ዕብየት ሂቡ፡፡

እዛ ዓባይ ሃገር እጀጋኑ ኣቦታትና ተሓፊራ፣ ተኸቢራ፣ ሽና ከምዝመልከዐ፣ ብፀላእቲ ተፈሪሓ፣ መርኣያ ፀለምቲ ህዝብታት ኮይና ኣብዚ በፂሓ ኣላ ኢሎም።

ሃፍታም ባማዃንና ዘይኮነስ ኢትዮጵያዊነት ዝተፈለየን ፈሊጥና ዝወዳእናዮን ብወርቂ ዝተቐብአ ናይ ኣይትንክኡኒ በሃላይነት ማንነት ስለ ዝኸነ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ናይ ሎሚ ተሸወምቲ እዚ ናይ ኣቦታት ጅግንነት ውርሲ ኣብ ተግባር ንምውዓል ድልዋት ምዃን ከምዘለዎም  ኣተሓሳሲቦም።

ልኡኽና ጊዘን ፍልጠትን፣ ጉልበት ፣ ህይወት ዝሓትት ብምዃኑ፥ ሎሚ  ኢትዮጵያ ማዕርግ ዝሃበትኩም ምስ ተወሳኺ ሓደራ ብምኸዓኑ ሓላፍነትኩም ካብ ትማሊ ብዝሓሸ ብቕዓት ምውፃእ ትፅቢት ይግበረልኩም ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.