Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊት መሻርኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኢያ – ኢሪና ኤስ ኒዮኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኢሪና ኤስ ኒዮኒ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ስትራቴጂካዊት መሻርኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኢያ  ክብላ ገሊፀን።

እተን ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላም ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ደገፍ እቲ ሕብረት ኣይፍለያን ኢለን።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ምስ ህወሓት ዝገበሮ ስምምዕነት ሰላም ብዘላቕነት ተግባራዊ ንክኸውን ሕብረት ኣውሮፓ ሙሉእ ደገፍ ከምዝህብ ኣብሪሀን።

እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ከምዘጠናኽር ተዛሪበን።

ተሓታትነትን ሽግግር ፍትሒን ንኣፈፃፅማ ስርዓት ሽግግር ፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ወሳኒ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ሕብረት ኣውሮፓ ከይዲ ኣተገባብርኡ ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብዮናታን ዮሴፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.