Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ሳተላይታ ሎሚ መዓልቲ ናብ ህዋ አሐምቢባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ሳተላይታ ሎሚ መዓልቲ 10 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ናብ ህዋ አሐምቢባ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዘ ናብ ህዋ ዘሐምበበታ ሳተላይት፥ ምስ ምርምር ጠፈር መንግስቲ ቻይና ብምትሕብባር ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከብ ጣቢያ ናብ ህዋ ከምዝተሓምበበት ተገሊፁ።

እታ ሳተላይት ኢቲ . ኣር . ኤስ . ኤስ/ 1 ዝብል ሽም ዝተውሃባ እንትኸውን፥ ንሕርሻ፣ ንማይ፣ ልምዓት መዓድንን ሓለዋ ከባቢን ጠቋሚ ሓበሬታ ምልከታ መሬት ከምእተቕርብ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ተዛሪቡ።

እታ ሳተላይት፥ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢታት ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪካ ኮይና ኣብ ልዕሊ 80 ዲግሪ ላቲትውድ ከምተዓርፍ እውን ተገሊፁ።

እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመረዳእታ ሳተላይት እናውፀኦ ዝነበረ ወፃኢ ካብ ምንካዩ ብተወሳኺ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ዓቕሚን ልምዲን ከምዘዕቢ ኣፍሊጦም።

ኢቲ . አር . ኤስ ኤስ/ 1 ዝተብሃለት ሳተላይት ምልከታ መሬት፥ ናብ ህዋ እንትትሕምበብ ነታ ሳተላይት ትእዛዝ ንመሃብ፣ ንምክትታል ከምኡ እውን ካብታ ሳተላይት ዝርከብ ሓበሬታ ንምቕባልን ንተገልገልቲ ንምስንዳእን ኣብ ዘኽእል ጣብያ ማእኸል መቐበሊ ሓበሬታ ተባሂሉ ኣብ ዝተሃንፀ ኣብ እንጦጦ ዝርከብ ኦብዞርባቶሪን ማእኽል ምርምርን ብምዃን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ እቲ ስነ ስርዓት ምሕባብ ብቐጥታ ተኸታቲለም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ፥ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም ኢዮም።

እቲ ኣጋጣሚ፥ ኢትዮጵያ ናብ ምዕባለን ተወዳዳሪነትን እናተጉዓዘት ምዃና ዘርእን ንዝተጀመረ ጉዕዞ ምርምር ሳይንስ ህዋ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምዃኑን ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.