Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንልምዓት መስኖ ዝውዕል 23 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ከርሰ-ምድሪ ከምዘለዋ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ 30 ሜትሮ ኣብ ዘይንእስ ጥልቀት ዝርከብ ንልምዓት መስኖ ዝውዕል 23 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ከርሰ-ምድሪ ከምዘለዋ ምርግጋፁ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ማንደፍሮ ንጉሴ ከምዝገለፁዎ÷ ካብ ተፀባይነት ዝናብ ዝተላቐቐ ክፍሊ ኢኮኖሚ ሕርሻ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ፡፡

በዚ ድማ ዝናብ ሓሊኻ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ካብ ምፍራይ ሓሊፉ ብልምዓት መስኖ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ንምፍራይ ናብ ምንቅስቓስ ከምዝኣተወ ገሊፆም።

ትልሚ ልምዓት መስኖ ንምዕዋት ዓብዪ ግደ እናተፃወተ ካብ ዝርከብ ማይ ገፀ-ምድሪ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ 30 ሜትሮ ኣብ ዘይንእስ ጥልቀት ዝርከብ ዓቕሚ ማይ ከርሰ-ምድሪ ከምዝተፈለየ ሓቢሮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ትሑት ጥልቀት ተዃዒቱ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእል 23 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ዓቕሚ ማይ ከርሰ-ምድሪ ከምዘሎ ምርግጋፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ብማይ ገፀ-ምድሪን ሕዚ ብዝተረጋገፀ ዓሚቕ ዘይኮነ ማይ ከርሰ-ምድሪን ክሳብ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ምልማዕ ከምዝከኣል ብምሕባር፥ ኣብ ነዊሕ እዋን ሃፍቲ ማይ ብግቡእ ብምጥቃም ክሳብ 11 ሚሊየን ሄክታር ብመስኖ ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.