Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ካልአይቲ ሃገር ኢያ – ኣምባሳደር ሴኔጋል ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ካልአይቲ ሃገር ከምዝኾነት ኣምባሳደር ሴኔጋል ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተሸሙ መሓመድ ላሚን ቲያው ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ቅዳሕ ደብዳበ ሹመቶም ንምኽትል ሹም ጉዳያት ፕሮቶኮል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ኣለማየሁ ሰውኣገኝ ኣቕሪቦም።

እቶም ሓዱሽ ኣምባሳደር ኣቲ እዋን፥ ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ካልአይቲ ሃገር ከምዝኾነትን ሴኔጋል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪኻዊ ክልተኣዊ ርክብ ተጠናኺ ንኽቕፅል ድሌት ከምዘለዎምን ተዛሪቦም።

ኣብ ፃንሒቶም እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ባህሊን ቱሪዝምን ዘለወን ምትሕብባር ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ብምሕባር፥ ኣብ ዘፈር ፓርክ ኢንዱስትሪ ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ንምውሳድ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣምባሰደር ኣለማየሁ ብግደኦም፥ ሴኔጋልን ኢትዮጵያን ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ህዝቢ ክልተአን ሃገራት ብዝበለፀ ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ዓውደታት ትኹረት ብምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ቤት ፅፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.