Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶታታ ኮቪድ-19 ዝተሳገረቶ መካተቲን ዘላቒን ሽቶታት ልምዓት ብምኽታላ ኢዩ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉን ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶታት ከንሳዕርሩ ዝኽእሉን መካተትቲን ዘላቒን መምርሒታት እንትኽተሉ ከምዝኾነ ሚኒሰስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ብገንዘብ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ፎረም ተሳቲፈን።

ዶክተር ሊያ ኣብቲ እዋን ተሞክሮ ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ምልዓለን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ፅሒፈን።

“ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ኣብ እዋን ጎንፂ ዘጋጠመ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ፣ ድርቂ ኣብታ ሃገር ዘሕደሮ ፅዕንቶ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶታት ክትፃወር ዝኀኣለት ንኹሉ ዜጋ ዘሳተፈ ዘላቒ ሽቶ ልምዓት ብምኽታላ ኢያ” ኢሎም፡፡

ምትሕብባር ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብምእላሽ ሃገራዊ ትልሚታት ጎና ጎኒ ክኸዱ ምግባር፣ ሓገዝ ኢኮኖሚ ወፃኢ ሃገራት ኢኮኖሚ ሃገር ንምሕጋዝ ብግቡእ ምጥቃም ከምኡ እውን ብልቓሕ ንዝተረኸቡ ሓገዛት እፎይታ ዝህቡ ዘላቒ መፍትሒታት ምትእልላሽ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሽቶ ልምዓታ ንምዕዋት ዝኸደቶም ሜላታት ከምዝኾኑ ኣልዒለን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.