Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ዕዉታት ስራሕቲ ሰሪሓ ኢያ- ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል ካልኣይ ኩባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን-ሩሲያን  ኣብ ክልቲኣዊን ኩለ መዳይን ዲፕሎማሲ ዕዉታት ስራሕቲ ሰሪሓ ኢያ ከብል ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስትር ሰላማዊት ካሳ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ዲፕሎማሲ ፖለቲካን ባህልን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ መጥንኻር ከምዝግባእ ናይ ሓባር ቅዋም ኣንፀባሪቖም ኢለን።

እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዘመዝገበቶ ጭቡጥ ውፅኢት ዘፋለጠትሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ኣፍሪካውያን ብምግቢ ንባዕሎም ንምኽኣል ዝገብርዎ ፃዕሪ ብእታዎታት ቴክኖሎጂ ነክሕገዝ ፃውዒት ዘቕረበትሉን ናይቲ ዓውዲ ትካላት ክልቲኣዊ ስምምዕነት ዝተፈራረማሉን ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ዕዉት ዘተ ምግባሩን ናብ ተግባር ዝልወጡ ስምምዕነታት ምኽታሞምን ተዛሪበን።

ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ብፍላይ ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብነታዊ ተግባር ትፍፅም ከምዘላ ተገሊፁ ኢለን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.