Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ዝቐረዩ ስራሕቲ ህንፀት እቲ ግድብ ብምዝዛም ምምላእ ማይ ከምእትጅምርን ኣብቶም እዋናት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ምውሳነንን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ዝቐረዩ ስራሕቲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ምምላእ ማይ ከምእትጅምርን ኣብቶም ክል ሰሙናት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ምውሳነንን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ትማሊ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ደንቢ ምምላእን ምስዳድን ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ድርድር ዘተ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኣኼባ ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ዝፀውዕዎ እንትኾን፥ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ብተወሳኺ ኣባል እቲ ጉባኤ ናይ ዝኾና መራሕቲ ኬንያ፣ ማሊን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ተረኺቦም ኢዮም።

ጉዳይ ናይልን ዓብዪ ህዳሰ ግድብን ጉዳይ ኣፍሪካ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም መራሕቲ፥ ካብ ኣፍሪካ ዝፍልፍል መፍትሒ ሓሳብ ከምዘድልዮ ምዝታዮም ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ከይዲ ድርድር እቲ ግድብን ዘለዎ ኩነታት ብዝምልከት መግለፂታት ካብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ቀሪቦም ኣብ ዝቕፅል ብዛዕባ ዝህልዎ ከይዲ ኣንፈት ከምዘቐመጡ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ምምላእ ማይን ምምሕዳርን እቲ ግድብ ኣድሂቡ ዝግበር ድርድር ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ከምዝዛዘም ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ብዛዕባ እቲ ዛዕባ ምርኣይ ምጅማሩ ንቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክግለፅ  ሕብረት ኣፍሪካን ኣባላት ቢሮ ጉባኤ መራሕቲን እቲ ድርድር ንክድግፉ፤ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ካብ ምክራር ቃላትን ዘየድሊዩ መግለፂታትን ክቑጠባ ኣንፈት ብምቕማጥ እቲ ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.