Fana: At a Speed of Life!

ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት ብናፃ ተሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሁውከትን ናዕቢን ብምውላዕ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምብፃሕ ገበን ተጠርጢሮም ብፖሊስ ምርመራ ክግበረሎም ዝፀንሐ ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት ብናፃ ተሰናቢቶም።

መርማሪ ፖሊስ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ ብምቕራብ ኣብ ልዕል ኢንጂነር ይልቃል ክገብሮ ዝፀንሐ ምርመራ ምዝዛሙን እቲ መዝገብ ንዓቃቤ ሕጊ ምሃቡ ነቲ መጋባእያ ምግላፁ ስዒቡ እቲ መጋባእያ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ክሲ ክምስርት ከምዝግባእ 13 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብይን ሂቡ ነይሩ።

ይኹን እንበር ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዝተውሃቦ ጊዜ ክሲ ክምስርት ብዘይምኽኣሉን ካሊእ ዘፃርዮ መረዳእታ ኣለኒ ምባሉን ስዒቡ ኢንጂነር ይልቃል ጌትነት ብናፃ ተሰናቢቶም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.