Fana: At a Speed of Life!

ኣልሸባብ ክፍፅሞ ዝፈተነ ሽርሒ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ብጥንካረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምፍሻሉ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣልሸባብ ክፍፅሞ ዝፈተነ ሽርሒ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ብጥንካረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝፈሸለ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፁ።

ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ስግኣት ናይ ምፍጣር ፈተናታት እንተገበረ እውን ብጀግኑ ኢትዮጵያ ሸርሑ ይፈሽልን እቲ ጉጅለ ጥፍኣት እውን ይድምሰስን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዶብ  ሶማሊያ ዶሎ ካምባስ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ክፍፅሞ ዝፈተነ ሽርሒ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ብጥንካረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምዝፈሸለ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ክልተ መካይንን ሽዱሽተ ገብረ ራዕዲን ምስ ፈንጆም ናብ ሓመድ ከምዝተቐየሩ ኣብሪሁ።

ኣልሸባብ ብክልተ መካይን ሙሉእ ፈንጂ ፅዒኑ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጉድኣት ንምብፃሕ ብምሕሳብ ኬላ ጥሒሱ ንምሕላፍ እንተፈተነ እውን ኣብ ሓለዋ ብዝነበሩ ጀጋኑ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ከምዝተደምሰሰ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.