Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ ምስ ዝተፈላለዩ ሓገግቲ ሕጊ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ዝተፈላለዩ ኣሜሪካውያን ሰኔተራትን ሓገግቲ ሕጊ  ዘትዮም።

ኣምባሳደር ሰለሺ ምስ ሴነተር ቴድ ክሩዝ፤ ኣባላት ኮንግረስ ቻክ ፍሌሽማን፣ ጁልያ ሌትሎው፣ ዳረል ኢሳ፣ ክሪስ ስሚዝን ስቲቭ ዎማክን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተላዚቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭትን ድርቅን ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት፣ ግብረ ራዕዳዊ ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነን ካልኦት ጉዳያትን መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቅልውላው ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ባይቶ ኣሜሪካ ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮም ሓበሬታ የመልክት።

ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎ ተወፋይነት ከምዝነኣዱ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.