Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ነቢል ማህዲ ምስ ተቐሳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ነቢል ማህዲ ምስ ተቐሳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ኣብ ክልተኣዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘዝተሃነፀ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ነቢል፥ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ካብ ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ርክብ ብተወሳኺ ብመሰረተ ልምዓታት መገዲን ሓሊን ኣብ ምትእስሳር ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ኩነታት ውጥጥ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ነቶም ምክትል ተቐዳሚ ፕሬዚዳንት መብርሂ ሂቦምም።።

ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ሪክ ማቻር ብግደኦም፥ ደቡብ ሱዳን ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ብምሕባር ዘለዋ ዓቕሚ ንምጥቃም ኣብ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ክወሃብ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፀጋታት ዝሕደስ ሓይሊ ኢትዮጵያን ሰፊሕ ሃፍቲ ነዳዲ ደቡብ ሱዳንን ብምትዕስሳር ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉሰዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣብ ቀረባ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ተስተኻኺሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ምርግጋእ ክመፅእ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ምስሕሓብ ቴክኒካዊ መፍትሒ ከምዘለዎን እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ካብ ምግባር ኣማረፅቲ መፍትሒታት ምእላሽ ዝሓሸ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥጥ ዶብ ትፅቢት ዘይተገበረሉን ዘሕዝንን ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ፀገም ብልዝብ ክፍታሕ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.