Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ዘነቡ ታደሰ ምስ ፕሬዚዳንት ሴኔት ጣሊያን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጣሊያን ዘነቡ ታደሰ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ጉዳያትን ኣድሂበን ምስ ፕሬዚዳንት ሴኔት ጣሊያን ማሪያ ኤሊዛቤታ ካሴላቲ ተዛቲየን።
ኣምባሳደር ዘነቡ ታደሰ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣብቲ እዋን ዘተ ገለፃ ገይረን፡፡
ፕሬዚዳንት ሴኔት ጣሊያን ማሪያ ኤሊዛቤታ ካሴላቲ ብግደአን፥ ጣሊያን ምስ ኢዮጵያ ዘለዋ ጥቡቕ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፀን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበሩ ኩለመዳይ ምትሕብባር,ራትን ሓገዛትን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪበን።
ኣብ ኢዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ፀገም ብዝምልከት ጣሊያን ብቕርበት እናተኸታተቶ ከምዝኾነትን እቲ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ክፈትሑዎ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዋን ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.