Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ጀማል በክር ምስ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ዲፕሎማሲ ባህሬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ቆንስላ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ጀማል በክር ከባህሬን ምስ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ዲፕሎማሲ ባህሬን ዶክተር ሙኒራ አል ከሊፋ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ክልላዊን ጉዳያት ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ኣምባሳደር ጀማል፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ኣፍሪካን ዓለምን እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ከምኡ እውን ክልላዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር እናተፃወተቶ ትርከብ ግደ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ብፍላይ ኣብ ስግግር ፍልጠት፣ ዲፕሎማሲያዊ ስልጠናታትን መፅናዕቲን ምርምርን ካልኦትን ተዋዲድካ ንምስራሕ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ዲፕሎማሲ ባህሬን ዶክተር ሙኒራ አል ከሊፋ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ብምንኣድ ምትእስሳር ቀርኒ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ምትእስሳር ትካላት ዲፕሎማቲክ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ ምስ ኢንስቲትዩት ኣገልግሎት መሰልጠኒ ርክባት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ህንፀት ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ፣ ሓበራዊ ምርምር፣ ስልጠና ቋንቋን ዝተፈላለዩ ኢኒሼቲቫትን ሓቢርካ ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾና ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.