Fana: At a Speed of Life!

ኣርቲስት ሃጫሉ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)22 ሰነ 2012 ዓ.ም ምሸት ኣስታት 3 ሰዓት ኣብ ከባቢ ገላን ኮንዶሚኒየም ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ እንትቕተል ምስኡ ዝነበረት ላምሮት ከማል ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ።

መርማሪ ፖሊስ እታ ውልቀ ሰብ ምስ ቅትለት ኣርቲሰት ሃጫሉ ርክብ ኣለዋ ብምባል ብምጥርጣሩ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ እናገበረላ ምዃኑ ይፍለጥ።

እታ ተጠርጣሪት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣራዳ ተረኛ መጋባእያ ጊዜ ቆፀሮ ፌዴራል ብምቕራብ ጉዳያ ተራእዩ።

መርማሪ ፖሊስ ውፅኢት ምርመራ ጂ ፒ ኤስ ቴክኖሎጂ ይፅበ ምህላዉ ብምግላፅ፥ ኣብ ኢድ ተጠርጣሪት ዝተረኸበ ልውውጥ ስልኪን መረዳእታታት መልእኽቲን ይምርምር ምህላዉ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

ብዙሓት ሰነዳት ምእካቡን እቲ መረዳእታ ኣብ ኢድ ፖሊስ ከምዘሎን ብምሕባር፥ እቲ መዝገብ ምርመራ ዓቃቤ ሕጊ ብምውሳድ ይርእዮ ምህላዉ ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ዝተረፉ ስራሕቲ ምርመራ ንምፍፃም ካብ ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን መረዳእታ ሰነድ ንምትእኽኻብ ተወሳኺ ጊዜ ሓቲቱ።

እቲ መጋባእያ “ተጠርጣሪት ምስቲ ተግባር ገበን እንታይ ዘራኽባ ነገር ኣሎ” ክብል ንፖሊስ ዝሓተተ እንትኸውን፥ መርማሪ ፖሊስ “ንመጋባእያ እንተገሊፅና መረዳእታ ክጠፍአና ኢዩ ኢልና ኢና ንኣምን፤ እቲ ምርመራ ብጥንቃቐ ዝፍፀም ኢዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ተጠርጣሪት ላምሮት ከማል ብግደኣ፥ ቀተልቲ ካብ ማእኸል ሰብ ፈሊየ ኣርእየ ኢየ፣ ስእሊ ተሳኢለ ኢየ፣ ምርመራ ሰልኪ ካብ ቴሌ ኢዩ ዝመፅእ፣ ዓብዪ ትካል ኢዩ፣ እዚ መረዳእታ ከጥፍእ ኣይክእልን፣ ናይ ኣደይን ሓፍተይን ሆቴል ተዓፅዩ ኢዩ፣ ስለዚ ቤተሰበይ ስለዝተፀገሙ ቤት ፍርዲ መሰል ዋሕስ የኽብረለይ፣ ኣብዝተደለየ ሰዓት ክቐርብ ይኽአል ኢየ ክትብል ሕቶ ዋሕስ ኣቕሪባ።

መርማሪ ፖሊስ ድማ ካብ ኣገልግሎት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ዝተሓተቱ መረዳእታታት ንፅበ ኣለና፣ እቲ ምርመራ ብጥንቃቐ ዝፍፀም ምዃኑ ስዒቡ ተወሳኺ ጊዜ ምርመራ ይፈቐደልና ክብል ሓቲቱ።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ድማ ምርመራ ብምዝዛም ኣብ ቀፃሊ ጊዜ ምርመራ መዝገብ ሒዙ ንክቐርብ 6 መዓልታት ፈቒዱ።

ብተመሳሳሊ ዜና 17 ግንቦት 2012 ዓ.ም ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተምሃሪት ክፍሊ ቤተ ፈተነ ሃይማኖት በዳዳ ብምቕታል ገበን ተጠርጢሩ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለን ቃል እምነት ክሕደቱ “ቀቲለ ኢየ” ኢሉ ዝሃበን ደግነት ወርቁ ኣብ ካሊእ መዝገብ ኣብቲ መጋባእያ ሎሚ መዓልቲ ቀሪቡ።

መርማሪ ፖሊስ ብዙሓት ሰነዳት ከምዝኣከበ ብምግላፅ፥ ምስኡ ዝተጠርጠረ ምህረቱ ሚጣ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ኣብ ክፍሊ መፅንሒ ሕክምና ኮቪድ-19 ከምዝርከብ ኣብሪሁ።

ምስቲ ገበን ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ሰራሕተኛታት ሓለዋ እቲ ሆስፒታል መርመራ ይገብር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ካብ ቴሌ ዝተረኸበ ልውውጥ ስልኪ ሙያዊ ትንተና ስለዝደሊ፣ መረዳእታ ሰነድ የተኣኻኽብ ብምህላዉ፣ ክሲ ንምምስራት ኣድለይቲ ኢዮም ዝተብሃሉ ሰነዳት የተኣኻኽብን ኣብ ኢዱ ዝተረኸቡ ቼክ፣ ፅሑፍን ፌርማን ናይ ምፍላይ ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ብምሕባር ተወሳኺ ምርመራ ጊዜ ሓቲቱ።

እቲ ተጠርጣሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል በፂሑኒ ኢዩ ብምባል ቅድመ ሐዚ ኣብ ዘቕረቦ ቅርታ ተወካሊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ቀሪቡ ንከብራህርህ ተኣዚዙ ዝነበረ እንትኸውን፥ እቲ ዝቐረበ ተወካሊ ትእዛዝ ዘንጊዑ ስለ ዝበፅሐኒ ካሊእ መዓልቲ ፀብፃብ ንከቕረብ ክብል ተለዋጢ ቆፀሮ ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ብግድኡ፥ ተደጋጋሚ ቆፀሮ ምሃብ ኣግባብ ኣይኮነን ክብል ተቓዊሙ።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ መርማሪ ፖሊስ ምርመራ ዛዚሙ ንከቕርብ 10 መዓልታት ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.