Fana: At a Speed of Life!

ኣሰር ቅድሚ 113 ሚልየን ዓመታት ዝነበረ  ዳይኖሶር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእኸላይ ቴክሳስ ዝርከብ መጠን ወሓዚ ማይ ምስ ነፀፈ ቅድሚ 113 ሚልየን ዓመት ናይ ዝነበሩ ዳይኖሶራት ኣሰረ ከምዝተቐልዐ ተገሊፁ።

እቲ ኣሰር “ኣክሮሃኖሳውሮስ” ዝበሃል ዓቢይ ዳይናሶር ብማይ ተሸፊኑ ስለዝነበረ ድሕሪ 2000 ዓ.ም ከይተርኣየ እዩ ተሓቢሩ።

እቲ ወሓይዝ ክነፅፍ ምስ ጀመረ ግን ኣሰር ናይቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ግዝፊ ዝነበሮም ደርማስ ዳይናሶር ክረአ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ቁመቱ ኣስታት 5 ሜትሮ ክብደቱ ከኣ ኣስታት 70 ኩንታል ከምዝነበረ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሽንጥሮ ፓርክ ዝተረኽበ ኣሰር ዳይኖሶራት፥ ካብቲ ኣብ ዓለምና ተዓቂቡ ዘሎ ዝበለፀ ታሪኻዊ ጥንታዊ ባህሪያዊ ቅርሲ ምዃኑ ሓለቓ ስታፍ ፓርክ ጀፍ ዴቪስ ሓቢሩ።

ካብቲ ኣብቲ ፓርክ ዝህሉ ኣስታት 140 ኣቢሉ ዝበጽሕ ኣሰራት ናይቲ ዳይናሶር ክሳብ ሐዚ 60 ኣቢሉ ድሙቕ ኣሰር ተረኺቡ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ክኢላታት ደርቅን ዝናብን ኣሜሪካ ዳርጋ መላእ ቴክሳስ ደርቂ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ብመሰረት እዚ ዝሓለፈ ሰሙን፥ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ካብ ክፍለ-ሃገር እታ ግዝኣት ሓደ ካብቶም ሰለስተ ብኸቢድ ዝግለፁ ዓይነት ድርቂታት ኣጋጢሙዋ ኣሎ ተባሂሉ።

ኢንዱስትርያዊ ዘመን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ክዓርግ ዝጀመረ መጠን ምቘት ምድሪ፥ ሓደገኛ ተርእዮ ደርቅን ምቅይያር ክሊማን ከኸትል ከምዝኽእል ሊቃውንቲ ዓለም የጠንቅቑ ምህላዎም ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.