Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ርብዒ ዓመት ዕዉት ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሳለጡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መጀመርታ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ዓመት ፈተውቲ ብምብዛሕን ፀላእቲ ብምንካይን ዕዉት ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም÷ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ዝተወገኑ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ በጀት ዓመት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ናብ ስሩዕ ብምምላስ መሓዙት ምብዛሕ ዝብል ስለዝኾነ ብሄራዊ ረብሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ዕዉት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝወገነት ገሊፆም።

ቀንዲ ሽቶኡ ፀላኢ ብምንካይ ፈታዊ ምብዛሕ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣምባሳደር መለስ÷ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ቻይናን መሰል ዓለም ለኸ ትካላትን ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ምትእስሳር ኩለመዳይ ውፅኢታት ዝተመዝገቡሉ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ንኣብነት ድማ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ምትሕብባር ልምዓት፣ ዲሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰልን ሰናይ ምምሕዳርን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ምክልኻልን ፀፅታን ምኽክር እናተገበረ ምዃኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.