Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ሙሁራን ግደኦም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ንኽፍጠር ሙሁራን ግደኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሰላም ኣገንዚቡ።

እቲ ሚኒስቴር “ንዘበኑ ዝምጥን ሓርበኝነት ንህብረ-ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሃገር ለኸ መድረኽ ጎስጓስ ዘጀመረ እንትኸውን÷ ኣብቲ ዕለት ምስ ተወከልቲ ሙሁራን ዩኒቨርሲቲ ዘተ ተኽይዱ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር)÷ ቅድሚ ሕዚ “ዓድዋ ንዘላቒ ሰላምን ንህንፀት ጥንኩር ሃገረ መንግስቲን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ልዕሊ 40 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ  ምይይጥ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቶም መድረኻት፤ ሓራዊ መንነት፣ ክብሪን ሃገራዊ ረብሓን ዘድሀቡ ዕዉታ ልዝባት ከምዝተገበሩ ብምሕባር÷ ኣበ ቀፃሊ ንዝካየዱ መድረኻት ጎስጓስ ዓብዪ እታወት ዝተረኸበሎም ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ሙሁራን መሰል ሓሳባት ብምውራድ፣ ብምዝታይን ብምድንፋዕ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእን ዝተቐራረበ ግንዛበ ንኽህሉ ንምዕዋት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.