Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መቐለ ስልጠና ዝተውሃቦም ልዕሊ 1 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ምንፃፍ እምኒ ተዋፊሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ ስልጠና ዝተውሃቦም ልዕሊ 1 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ምንፃፍ እምኒ ከምዝተዋፈሩ ቤት ፅሕፈት ደኣንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይላይ ገብረ ጊዮርጊስ ከመዝበልዎ፥ ካብ ዩንቨርስቲታትን ኮሌጃትን ዝተመረቑ 1 ሺሕን 80 መናእሰይ ብኮብልስቶን ንሰለስተ ኣዋርሕ ስልጠና ተዋሂቡዎም።

ስለዝኾነ ኣብ ሸውዓቲአን ክፍላተ ከተማ መቀለ 15 ኪሎ ሜትሮ ነውሓት ኣብ ዘለዎም መገዲታት የንፅፉ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ንምንፃፍ እምኒ ዝኸውን 117 ሚሊየን ብር በጀት ከምዝሰለዐ እውን ሓቢሮም።

ካብ ዝረኸብዎ ኣታዊ ዕቋር ገንዘብ ብምክያድ ናብ ካሊእ ዓውደ ስራሕ ዘሰጋግሮም ስልጠና ከምዝተውሃቦም እውን ተገሊፁ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.