Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንበሪ ገዛ ኣፅዋር ኲናትን ገንዘብን ሓቢኦም ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንበሪ ገዛ ኣፅዋር ኲናትን ገንዘብን ሓቢኦም ዝተረኸቡ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ጠበንጃ፣ ሽጉጥ፣ ጥይትን ለዕሊ 1 ሚሊየን ብር ብኤግዚቢትነት ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ኣብ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ከባቢ ቀጨኔ ጣቢያ ፖሊስ ብዝውውር መሳርሒ ኲናት ኣብ ልዕሊ ዝጥርጠር ውልቀሰብ ክትትል ብምግባርን መረዳእታ ብምእካብን ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 6 ፍሉይ ቦታ ጨፊ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከብ መንበሪ ውልቀ ሰብ ብኣግባብ ሕጊ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኣከበ ገንዘብን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሓደ ኤስኬኤስ ጠበንጃ ምስ 30 ጥይት፣ ሓደ ክላሽንኮቭ ምስ 72 ጥይትን ሓደ ኮልት ሽጉጥ ምስ 8 ጥይትን ከምኡውን 1 ሚሊየንን 294 ሺሕን 700 ብር ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.