Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማራቶን ሮተርዳም ኣትሌት ኣሼቴ በከሬ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኔዘርላንድስ ማራቶን ሮተርዳም ኣትሌት ኣሼቴ በከሬ ተዓዊታ።

እታ ኣትሌት 2 ሰዓት 19 ደቒቕን 30 ሴከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ነቲ ውድድር ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ፡፡

ኬንያውያን ቮይላ ኪቢዮትን ሴሊ ኪፔይጎን ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን፡፡

ኣብ መዳይ ደቂ ተባዕትዮ ኣምደወርቅ ዋለልኝ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 45 ሴኮንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ÷ ኣትሌት ብርሃኑ ለገሰ ድማ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 16 ሴከንድን ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ትውልደ ሶማሊያዊን ንኔዘርላንድስ ዝጎዩ ኣትሌት ኣብዲ ናጊየ ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.