Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕያሽ ኣሰራርሓታት ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘድሃበ ዑደት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘለዎ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ዝዓለም ዑደት ተኻይዱ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶከክተር በለጠ ሞላን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ሳንዶካን ደበበን ምንቅስቓስ ስራሕቲ ኣይ ሲ ቲ ተዓዚቦም፡፡

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ባይሳ በዳዳ፣ መካየዲ ስራሕ ፓርክ ኣይ ሲ ቲ ኣይተ ሱራፌል ሽመልስ ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ፓርክ እውን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡

ኣይተ ሱራፌል ሽመልስ፥ እቲ ፓርክ ንኢትዮጵያ እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፅኦ፣ ዝርከበሉ እዋናዊ ኩነታት ስራሕ ምስ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ምምሕያሽ ሓይሊ፣ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

እቲ ዑደት እቲ ፓርክ ዝርከበሉ ኩነታት ንምርዳእ ኣብ ዘጋጥሙ ፀገማት ዙሪያ ከምኡ እውን ክመሓየሹ ኣብ ዝግበኦም ኣሰራርሓታት ሓቢርካ ንምስራሕ ጠቓሚ ከምዝኾነ ዶክተር በለጠ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እዋን ድማ ኣብቲ ዓውዲ ተወዲብካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኣማራፂታት ምጥቃም ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.