Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ኣሎ – ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ እናቐረበ ምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተሃቀነ ሰብኣዊ ሓገዝ ሙሉእ ብሙሉእ ተበፃሒ ምግባር ተኻኢሉ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ 141 ሺሕን 671 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ናብ ሰለስቲአን ክልላት ከምዝተጓዓዓዘ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ክሳብ ሕዚ ናብ ክልል ኣምሓራ 25 ሺሕ ሜትሪክ ቶን፣ ናብ ክልል ዓፋር 2 ሺሕ ሜትሪክ ቶንን ናብ ክልል ትግራይ 1 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ከምዝተጓዓዓዘ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.