Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ 70 ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ኣብ ውሽጢ 2 ሰሙን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ 70 ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ስራሕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክጅመር ኢዩ ኢለን።

ኣምባሳደር ብርቱካን ነዚ ዝበላ ንሰን ዝመርሕኡ ብሄራዊ ኮሚቴ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ዜጋታት ንምምላስ ኣብ ዝተሰናደአ ትልሚ ጠሚቱ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኢዩ።

እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ብሄራዊ ኮሚቴ  ዝተሓቖፋ ትካላት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ኣብ ዝገብርዎ ምውዳድ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ነዚ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብዝተማልአ ኩነታት ብህፁፅ ምዝዛም ከምዝግባእ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.