Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ቀፀልቲ ኣንፈታት ዘድሃበ ዘተ ምስ መሓዙት ልምዓቱ ተዛቲዩ።

ብመርበብ ሓበሬታ ተሓጊዙ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፥ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍጹም ኣሰፋ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰማሪታ ሰዋስው ከምኡ እውን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ መሓዙት ልምዓት ተሳቲፎም።

ዶክተር ፍፁም ኣፈፃፅማ እናተተግበረ ዝርከብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣድሂበን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ቀዳማይ ዓመት እቲ ትልሚ ኣፈፃፅምኡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ፅንቶ ኢኮኖሚ ብዘለዎ ኩነታት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተረኣየ ብምግላፅ፤ ኣብ ዘፈር ወፃኢ ንግዲ፣ ኣተኣኻኽባ እቶት ውሽጢ ዓዲን ልምዓት ዘፈር ውልቀን ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዘለሉ ኩነታት ኮይኑ ሽቶታትን ዕላማን ልምዓቱ ንምዕዋት ዝገብሮ ፃዕሪ ቁርፀኛ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ መንግስቲ ዝሃቀኖም ዘተፈላለዩ ፕሮግራማት እናተተግበሩ ከምዝኾ ገሊፀን፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን እናሰናድኦ ዘሎ ትልሚ ፕሮግራም እግሪ መትከሊን መሊስካ ህንፀትን ምስ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ተጠዓዒሙ ዝኸደሉ መገዲ ዘመቻቹ ከምዝኾ ኣብሪሀን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.