Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በዓላት ካብ ማሕረዲ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ብምስንዳእ ብእዋኑ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ካብ ዝፍፀም ማሕረዲ ዝርከብ ቆርበት ብጥንቃቐ ብምስንዳእ ብእዋኑ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝግባእ ማእኸል ልምዓት ምርምር ውፅኢታት ኢንዱስትሪ ቆርበት ኣተሓሳሲቡ።

ተወካሊ መካየዲ ስራሕ እቲ ማእኸል መሓመድ ሑሴን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ቆርበትን ኣንጋረን ንኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት እቲ ዘፈር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከምኡ እውን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምምፃእ ዘለዎ ረብሓ ዕዙዝ ኢዩ፡፡

ቀንዲ ምኽንያት ምንካይ ፅሬት ቆርበት ኣብ እዋን ማሕረዲ ብካራ ኣብ ልዕሊ ቆርበት ዝበፅሕ ጉድኣትን በቢእዋኑ ንዕዳጋ ዘይምቕራብን ከምዝኾነ ኣይተ መሓመድ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ኣብ ዝቕፅሉ በዓላት ልደትን ጥምቀትን ዝካየድ ማሕረዲ ንፅሬት ቆርበት ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ በዙሓት እንስሳት ንማሕረዲ ከምዝቐርቡ ዝሓበሩ ኣይተ መሓመድ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 25 ሚኢታዊ ጥራሕ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርቡ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.