Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በዓል ሽመት ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ሃገሮም ምምላስ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በዓል ሽመት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ተረኺቦም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ጂቡቲ እስማኤል ኦማር ጊሌህ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ሽመት ተሳቲፎም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብ ዝተመለሱሉ እዋን ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ነቶም ፕሬዘዳንት ኣፋኒዮምዎም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይን ሚኒስትር ዲኤታ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምፍናው ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማይ ሚኒስትር ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ጃን ሚኬል ሳማ ሉኮንዴ ትማሊ ምሸት ናብ ሃገሮም እንትምለሱ ምፍናው ከምዝተበረሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.