Fana: At a Speed of Life!

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ንመጀመሪ 16 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ዝውዕል 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር በጀት ተመዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 16 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ከምዝጅመሩን ነቶም ፕሮጀክታት ንመጀመሪ ዝውዕል 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር በጀት ከምዝተመደበን ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ገሊፁ።

ነቲ ሚኒስቴር ንበጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ዝኸውን 15 ነጥቢ 16 ቢሊየን ብር ዝተመደበሉ እንትኸውን፥ ካብ መንግስቲ 11 ቢሊየን ብር ንካፒታል ፕሮጀክት በጀትን 532 ሚሊየን ብር ንስሩዕ በጀት ከምኡ እውን 3 ነጥቢ 63 ቢሊየን ብር ካብ ርዳእታን ልቓሕን ከምዝመደበ ተሓሩ፡፡

ምንኣስ ዓቕሚ ተቛረፅቲ፣ ፀገም ቀረብ እታወትን ናህሪ ዕዳጋን ኣብ በጀት ዓምት 2014 ዓ.ም ዘጋጠሙ ማሕለኻታት ከምዝኾኑ ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ገሊፀን፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 16 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት መስኖ ከምዝጅመሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥10 ናይ ህንፀትን 6 ናይ መፅናዕቲን ዲዛይንን ፕሮጀክታት ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.