Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ስሉጥን ፍትሓውን ስርዓት መገልገላይነት ንኽህሉ ሪፎርምታት ቤት መዘጋጃ ምምሕያሽ የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ስሉጥን ፍትሓውን ስርዓት መገልገላይነት ንኽህሉ ሪፎርምታት ቤት መዘጋጃ ምምሕያሽ ከም ዘድሊ ተገሊፁ።

ብሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዙርያ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ሪፎርምን ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ዘሎ ተግባራዊ ለውጢ ምስ ወከልቲ ህዝቢ እታ ከተማ ዘትዩ።

እቲ ዘተ ኣብቲ ቤት መዘጋጃ ዘሎ ዘበናዊ ስርዓት ዶክሜንቴሽን፣ ፀገም ሕፅረት እታወታት፣ ሞያዊ ስነ-ምግባር ሰራሕተኛታትን ኩለመዳይ ኣወሃህባ ግልጋሎት እቲ ቤት ዕዮን ብምዕዛብ ዘለዉ ክፍተታት ንምእራም ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ቤት መዘጋጃ ዘሎ ኣዋህባ ግልጋሎትን ካዳስተርን ዑደት ድሕሪ ምግባር፥ ሕብረተ ሰብ ኣብ ቀበሌታት ፍትሓዊ ግልጋሎት ኣብ ምርካብ፣ ዓቕምን ፍልጦን ዘለዎም ግልጋሎት ወሃብቲ ምዃኖም ኣብ ምርግጋፅ ዝምልከት ፈተሸ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ፥ ሕብረተሰብ ብዘይምንግልታዕ ፍትሓዊ ግልጋሎት ክረክብ ዘኽእል ሕቶ ብምልዓል ሓደ ቤትዕዮ ዓቕሚ ከጥርየሉ ብዝኽእል መልክዑ ልዝብ ተገይሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ስሉጥን ፍትሓውን ስርዓት መገልገላይነት ንኽህሉ ሪፎርምታት ቤት መዘጋጃ ምምሕያሽ ከምዘግሊ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.