Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 63 ሰባት ቫይረስኮሮና ተረኺብዎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 418 ሰባት በዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 63 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብቶም ዝተመርመሩ እቶም 25 ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ ዘይነበሮም እንትኾኑ፥ ሸውዓተ ወገናት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ርክብ ዝነበሮም፣16 ሰባት ካብ ትካላት ጥዕና፣ 15 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ እዮም ተባሂሉ።

ፍልፍል ተቓላዓይነትን ዝተረኸበሎም ቦታን በዝምልከት፥ 25 ብበዝሒ ግልጋሎት ሕብረተሰብ ዝረኽበሎምን ግቡእ ጥንቃቐ ዘይገበሩን ከም እንዳቡን፣ ካፌ፣ ቤት ምግብን ሆቴላትን ዝመሳሰሉ ናሙና ተወሲዱ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም እንትኾኑ ካብዚኦም 24 ኣብ ሰቲት ሑሞራ፣ 1 ኣብ መቐለ እዮም።

7 ወገናት ምስ ዝተፈልጠ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ርክብ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ኮይኖም፥ 4 ወገናት ኣብ መቐለ፣ 3 ድማ ኣብ ማይጨው እዮም።

16 ሰባት ኣብ ትካል ጥዕና ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም 13 ኣብ መቐለ፣ 1 ኢሮፕ፣ 1 ኣብ ኣኽሱም፣ 1 ኣብ መኾኒ ዝተረኸቡ እዮም ተባሂሉ።

15  ኣብ ኣኽሱም መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩ እንትኾኑ፥ ካብዚኦም 14 ኣብ መቐለ፣ 1 ቃፍታ ሑሞራ እዮም።

ብኺሊእ መዳይ ድማ፥ 15 ወገናት ካብ መቐለ፣ 52 ካብ ዓዲግራት፣ 12 ካብ ሑሞራ፣ 60 ድማ ካብ ኣኽሱም ብድምር 139 ካብ ማእኸል መሐከሚ ቫይረስ ኮሮና ትማሊ ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተፋኒዮም እዮም።

ትማሊ ሓደ ወዲ 66 ዓመት ወገን ኣብ ግሎመኸዳ ብሃንደበት ዓሪፎም ኣብ ኣስካሬን ብዝተገበረ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዘጋጠ ሞት ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ፥ ንቤተሰብን ፈተውትን ፅንዓት ተመኒዩ።

ብሓፈሻ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 45 ሺሕን 18 ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ካብቶም ዝተመርመሩ ሰባት 3 ሺሕን 615 ቫይረስ ኮሮና ተረኺብዎም እዩ።

ካብዚኦም 1 ሺሕን 273 ወገናት ኣብ መሐከሚ ማእኸል እንትርከቡ፥ ኣብ ክትትል ሕክምና ካብዘለው እቶም 18 ኣብ ቀሊል ክትትል ሕክምና፣ 10 ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና 1 ድማ ኣብ ክትትል ከቢድ ፅኑዕ ሕክምና ይርከቡ።

2 ሺሕን 323 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ዲሒኖም ናብ ገዝኦም ዝተፋነው እንትኾኑ ዛጊድ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ናይ 19 ወገናት ሞት ከምዘጋጠመ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ፥ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ባዕልና ብምትግባር ኩሉ ማሕበረሰብ ከተግብር ንምክር ንተሓባበር ኢሉ።

ካብ ገዛና ኣብ እንወፅአሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫንን መፅረይ ኢድ ሳኒታይዘርን ምሓዝና ክነረጋግፅ ከምዝግባእ አውን ምዒዱ።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር ልዕሊ 2 ሜትሮ ኣካላዊ ርሕቐትና ንባዕልና ሓሊና ኣብ ካልኦት ጉድለት እንትንርኢ ንምከር ዝበለ እቲ ቢሮ፥ ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና እንትስምዓና ወይከዓ ምስ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ሰብ ርክብ እንትህልወና ናብ 6244 ንደውል ክበል ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.