Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ንክልተ ሚሊዮን ሰባት ክታበት ሕማም ኮሌራ ምሃብ ከምዝጅምር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ትግራይ ንክልተ ሚሊዮን ሰባት ክታበት ሕማም ኮሌራ ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ትግራይ መተሓባበሪ ክታበት ዶክተር ኣባዲ ልኡል ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ክታበት ካብ 3 ክሳብ 7 ሰነ 2013 ዓ.ም ኢዩ ክዋሃብ፡፡

እቲ ክታበት ንህልው ኩነታት ትግራይ ኣመልክቱ ንፈለማ እዋን ይካየድ ከምዘሎን ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝወሃብን ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ፥ ብቀዳምነት ኣብ መዕቖቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ከምዝወሃብ ኣብሪሆም።

እቲ ክታበት ክልተ ግዜ ዝውሰድ እንትኾን፥ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኾነ ኩሉ ዝወሃብን ብኣፍ ዝውሰድን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ምስ ኽታበት ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ምንም ዓይነት ርክብ ዘይብሉ ክታበት ከምዝኾነን ኩሉ ሕብረ ሰብ ክኽተብ ከምዝግባእን ዝሓበሩ ዶክተር ኣባዲ፥ ነቲ ልውውጥ ሓበሬታ ብዝግባእ ንክባፅሕ ድማ ግደ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ክኽውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም ክብል ኤመሓት ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.