Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ህይወቶም ንዝሓለፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ሎሚ መዓልቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ. ቢ.ሲ)ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ትግራይ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮም ኣብ ቐረባ እዋን ብመስዋእቲ ንዝተፈዩ ሰብ ሞያ ጥዕና፥ ዶ/ር ፒተር ባያንስ፣ ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድን ዶ/ር በለጠ ኣሰፋን ዝምልከት ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይን ዩኒቨርስቲ መቐለን፣ መሳርሕትን መሓዙትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ መወትቲ ዝምልከት ሓፂር ህይወት ታሪኽን መደረን ድሕሪ ምቕራብ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሽምዓን ጥዋፍን ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፥ ዶ/ር ፒተር ባያንስ፣ ዶ/ር ፍስሃየ ኣለምሰገድን ዶ/ር በለጠ ኣሰፋን ኣብ ምጥንኻር ስርዓት ጥዕና ትግራይ ልዑል ኣበርክቶ ምግባሮም ሓቢሮም።

“ኣሰሮም ተኸቲልና ትግራይ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ተዋዲድና ክንሰርሕ ይግባእ” እውን ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፕ/ር ክንደያ ገ/ህይወት በግደኦም፥ እቶም ብመስዋእቲ ዝተፈለዩ ወገናት ትማሊ ብሞያኦም ብቕንዕና ህዝቦም ንምግልጋል ንዝገበርዎ ልዑል ኣበርክቶ ክብሪ ንምሃብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ዝኽሪ ምዃኑ ገሊፆም።

“ንሳቶም ንዘጀመርዎም ስራሕቲ ዝያዳ ኣጠናኺርና ክንቕል ይግባእ” ክብሉ ድማ አፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.