Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ልዕሊ 24 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ንምሕፋስ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ካብ መፍረያይነት ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ልዕሊ 24 ሚሊየን ኩንታል እኽሊ ንምሕፋስ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ትግራይ አፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ መፍረያይነት ሕርሻ ንምስስሳን ቅድመ ምድላዋት ከምዝተገበረ ሓቢሩ።

ነቲ መፍረያይነት ንምውዓል ካብ ዝተትሓዘ 700 ሽሕ ኩንታል ዘመናዊ ድዂዒ፥ ዛጊድ 360 ሽሕ ኩንታል ናብቲ ክልል ከምዝኣተወ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ከደነው፥ እቲ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተልኣኸ ዘበናዊ ዱኽዒ ብእዋኑ ናብ ኩለን ወረዳታትን ጣብያታትን  ከምዝባፃሕ ኣብሪሆም ክብል ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.