Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ 65 ሺሕን 763 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ዕድጊት ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ 65 ሺሕን 763 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ዕድጊት ከምዝተፈፀመ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቲ ዝተዓደገ እቲ 55 ሺሕን 614 ኩንታል “ሰርቲፋይድ” ምሩፅ ዘርኢ እንትኸውን፥ እቲ ዝተረፈ ናይ ከባቢ ዓሌት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ካብቲ ዝተዓደገ ምሩፅ ዘርኢ 36 ሺሕን 271 ኩ/ል ናብ ወረዳታት ዝተላእኸ እንትኸውን፥ ናብ ኢድ ሓረስቶት ዝኣተወ መጠን ምርፅ ዘርኢ 18 ሺሕን 618 ኩንታል ከመዝኾነ ገሊፁ።

በቲ ናብ ወረዳታት ዝተልኣኸ ዘርኢ 79 ሺሕን 697 ሓረስቶት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ እቲ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ብዝምልከት ድማ ክሳብ ሕዚ ካብ ወደብ ዝኣተወ ሓዱሽ መዳበርያ 12 ሺሕ ኩንታል እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ መኽዘን እቲ ክልል ዝኸረመ መዳበርያ ድማ 214 ሺሕን 864 ኩ/ል እንትኸውን፥ ብድምር ብብርኪ ክልል ዘሎ መዳበርያ መጠን 526 ሺሕን 864 ኩ/ል እዩ ኢሉ።

ካብቲ ዘሎ መዳበርያ እቲ 285 ሺሕን 421 ኩ/ል ናብ ወረዳታት ከምዝተልኣኸ ኢዩ ገሊፁ።

 

“ኩነታት ማሕረስ ዝምልከት ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕ፣ ማእኸልን ሰሜን ምዕራብን ሓረስቶት ይሓርሱ ምህላዎም ተባረርቲ ሓበሬታት ዋላእኳ እንተሃለዉ፥ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን ስልኪ ብዘይምህላዉ እቲ መሓውር በብኸባቢኡ ብዘሎ ኲናት ስግኣት ካብ መኣዲ ስራሕ ምርሓቑ እቲ ብቐረባ ዘሎ ሰራሕተኛ እውን ናይ ፀጥታ ስግኣታት ስለዘለዉዎ ሙሉእ ፀብፃብ ምርካብ ኣይተክእለን፤” ኢሉ ኢቲ ቢሮ።

ይኹን እምበር ብተደጋጋሚ ብምድዋል ካብ መሓውር ብዝተረኸቡ መረዳእታታት፥ 170 ሺሕን 167 ሄክታር ከምዝተሓርሰ የመላኽት ኢሉ።

ካብቲ ዝተሓርሰ መጠን መሬት ናይ 644 መራሕቲ ስድራ ዝኾነ 447 ሄክታር ብትራክተራት ዝተሓርሰ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ናይ ሰላም ስግኣት በብኸባቢኡ ስለዝበዝሕ እታወታት ሕርሻ ናብ ኩሉ ንምብፃሕ ሕፅረት መጓዓዝያ ኣሎ ኢሉ።

ሰብ ዋና ፅዕነት መጓዓዚያ መካይኖም ክልእኹ ስግኣት ምህላዉ ብምግላፅ፥ መፍትሒ ዝጠልቡ ፀገማት እዮም ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.