Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንኽመፅእ መንእሰይ ህይወቱ እውን ብምስዋእ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ- ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽቶ ሊግ ብልፅግናን ሰላምን መናእሰይ ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ መርሃ ግብሪ ምስጋና ተኻይዱ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምስጋና ተረኺበን መልእኽቲ ዘመሓላለፋ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንኽመፅእ መንእሰይ ህይወቱ እውን ብምስዋእ ልዑል ግደ ከምዘበርከተ ተዛሪበን።

መሰረት ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ዝኾነ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብብዙሕ ፈተና ዘተኻየደ መረፃ ይኹን እምበር እቲ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም መናእሰይ ብዝተወደበ ኩነታት ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊነን።

ልኡኽቶ ሊግ ብልፅግናን ሰላምን መናእሰይ ኢትዮጵያ፥ ልዕሊ 35 ሺሕ ኣባላት ብምሕቛፍ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ብሰላም ንኽዛዘም ልዕሊ 200 ሺሕ ንዝኾኑ መናእሰይ ስልጠና መረፅቲን ስነ-ግባር መረፃን ከምዝሃበ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምግላፁ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.