Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 16 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 16 ምብፅሑ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኢንስቲትዩት ብዛዕባ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣድሂቡ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

3 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ በባይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ሰብ ካብ ዝርከብ ንደሓር፥ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባት ብምርካቦም ብሓፈሻ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 16 በፂሑ ኣሎ።

ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ውሽጢ ሓደ ወዲ 72 ዓመት ሞሪሸሳዊ እንትኾኑ፥ 5 መጋቢት 2012 ዓ.ም ካብ ኮንጎ ብራዛቢል ዝመፅኡ ኢዮም።

እቶም ውልቀ ሰብ 13 መጋቢት 2012 ዓ.ም ናብ ጣቢያ ጥዕና ከምዝኸዱን እቲ ትካል ድማ ናብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ፀብፃብ ብምልኣኹ ብዝተገበረሎም ምርመራ ላቦራቶሪ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ተረጋጊፁ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ነባሪ ከተማ ኣዳማ ዝኾኑ ወዲ 61 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኢዮም።

እቶም ውልቀ ሰብ ናይ ወፃኢ ጉዕዞ ታሪኽ ዋላ ኣየሃልዎም እምበር ብስራሕ ምኽንያት ምስ ሓደ ናይ ወፃኢ ዜጋ ከምዝተራኸቡ ተገሊፁ።

ሳልሰይቲ ውልቀ ስብ ድማ 12 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ እስራኤል በፂሓ ዝመፅአት ጓል 28 ዓመት ኢትዮጵያዊት ከምዝኾነት ገሊፁ።

ምስታ ውልቀ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ሸውዓተ ሰባት ክትትል እናተገበረሎም ከምኾነን ካልኦት ርክብ ዝነበሮም ሰባት ከይህልዉ እናተፃረየ ምዃኑን እውን እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ራብዐይቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈት ውልቀሰብ፥ ጓል 24 ኢትዮጵያዊ እንትትከውን ናብ ወፃኢ ተጓዒዛ ከምዘይትፈልጥን ምስ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ንኽክእ ዝነበራ ምዃኑ እንተፃረየ ከምዝርከብን ተገሊፁ።

እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፈሊኻ መሐከሚ ኣትዮም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ኣሎ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.