Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 733 ሰባት እንትርከቡ 13 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕን 766 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 1 ሺሕን 733 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 48 ሺሕን 148 ከምዝበፅሐ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 357 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ እንትኾኑ፥ 586 ሰባት ድማ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ካብቲ ሕማም ሐሺዎም ኢዩ።

ብድምር ክሳብ ትማሊ 17 ሺሕን 415 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓሾም ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 13 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 758 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.